ኣብ’ዚ መርበብ ሓበሬታ እቲ ዝበዝሐ ትሕዝቶ ብቋንቋ ሽወደን እዩ። ንዓኻ መንእሰይ ዝኾንካ ብዛዕባ መዓስከር፡ ካልኦት ንጥፈታትን ኣቕርቦን ዝያዳ ኣብ’ዚ ብትግርኛ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
መዓስከር/ኮሎ – ሓደ ናይ ሓጋይ መዓስከር ንህጻናትን መንእሰያትን
መዓስከር ሓደ ናይ ጸወታ፡ ናይ ተፈጥሮን ሓደስቲ የዕሩኽን እዩ። ህጻናት ምስ መዛናጋዕቲ ንጥፈታት ዘዳልዉ ውሑሳት መራሕቲ እዮም ዝቕመጡ። ሓደ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝጸንሐ ልምዲ ስቶክሆልም።
ማዓስከር/ኮሎ –ሓደ ናይ ሓጋይ መዓስከር ንህጻናትን መንሰያትን
ናይ ትርፊ ግዜን ናይ መንእሰያት ክበብን
ኣብ’ዚ ዝተፈላለዩ ንጥፈታታ ከም ስፖርት፡ ሙዚቃ፡ ስነ-ጥበብ ውይ ግጥም ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። ክትዘናጋዕ፡ ቡን ክትሰትይ፡ ከተንብብ ወይ ምስ እቶም ሰራሕተኛታት ክትዛረብ ጥራይ ትኽእል ኢኻ። ምስ የዕሩኽ ምርኻብ ዝበለጸ ቦታ!
Hitta fritidsgård och ungdomsgård
ናይ ሜዳ ተሓጋገዝቲ
እቶም ናይ ሜዳ ተሓጋገዝቲ ካብ ኩነታትካ ተበጊሶም ንዓኻ መንእሰይ ዝኾንካ ኢሎም እዮም ኣብ’ዚ ዘለው። ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ምሳና ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ – ብምስጢር ምዕቃብ ንቕየድ ኢና። ኣብ’ቲ መንእሰይ ዝንቀሳቐስሉ ከም ቤት ትምህርትታት፡ ናይ ትርፊ ግዜ ክበባት፡ ጎደናታት፡ ንርከብ ከምኡ’ውን ቀትሪ፡ ምሸትን ለይትን ኢና ንሰርሕ።
ምስ ካልኦት ንጥፈታት ብምትሕብባር ደገፍ ነቕርብ ከምኡ’ውን ንጥፈታት ንኽትረክብ ወይ ምስ ካልኦት መንሰያት ንኽትራኸብን ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና።
መቐበሊ መንእሰያት
መንእሰይ ምዃን መሳጥን በዳህን ክኸውን ይኽእል እዩ። እንድሕር ብዛዕባ ሓሳባትን ወይ ስምዒታት ክትዛረብ ኣድልዩካ ኣብ’ቲ ናይ መንእሰይ መቐበሊ ደገፍ ክትወሃብ ትኽእል ኢኽ።
ንስኻ ካብ 12–22 ዓመት ዝዕድመኻ ምስ ኣማኻሪ ወይ መሕረሲት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ስመ-ኢፍሉጥ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።