ኩሎም ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ዝቕመጡን ህዝባዊ ምዝጉባት ዝኾኑን ከምኡ’ውን ካብ 1-9 ክፍሊ ዝመሃሩ ህጻናት ናብ’ቲ መዓስከር ንምኻድ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት መዓስከር ደምበታት ኣለው ካብኦም ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዝተፈላልዩ መዓስከራት መሐምበሲ፡ ብእግሪ ምጉዓዝ፡ ስፖርት፡ ግጥምን ጸወታን ኣሎ። ሓደ ሓደ መዓስከራት ሓደ ፍሉይ መኣዝን ከም ፊልም ምፍጣር፡ ብጃልባ ጋንጽላ ምንስፋፍ ወይ እንስሳ ብተወሳኺ የቕርቡ እዮም። ውላድካ ኣየናይ መዓስከር ይመርጽ ብዘየገድስ፡ እቶም ምኩራትን ብቑዓትን ዓበይት መራሕቲ ንኹሎም ኣብ’ቲ ጉጅለ ዘለው ህጻናት ውሕስነትን ምትብባዕን ክፈጥሩ እዮም።
ውላድካ መዓስከር ክመርጽ ሓግዞ
ምእንቲ ውላድካ እብ’ቲ መዓስከር ዕውት ጻንሖት ክህልዎ፡ መዓስከር ደምበ ኣብ ምምራጽ ክሕግዞ ኣገዳሲ እዩ። ከም ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ዘለካ ውላድካ እንታይ ከምዝፈቱን ዘድልዮን ብዝበለጸ ንስኻ ኢኻ ትፈልጦ። ቅድሚ መዓስከር ምምራጽ ኣየናይ ክፍላዊ ዕድመ ንውላድካ ከምዝሰማምዖ፡ እንድሕር ውላድካ ኣብ ንእሽቶ ወይ ዓብይ ጉጅለ፡ ውላድካ ካብ ገዛ ርሒቑ ክንደይ ክጻወር ከምዝኽእል ክትሓስበሉ ጽቡቕ እዩ።
ብዛዕባ ኩሎም መዓስከር ደምበታት ኣብቲ ስሩዕ ዝርዝር መዕስከር Hitta kollo ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ናብ መዓስከር/ኮሎ ኣመልክት
ኣብ እዋን ጽድያ ናብ መዓስከር ምኻድ ምምላክት ይከኣል እዩ። ንምምልካት ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣልዉ፡ እቲ ዝቐለለ ብመንገዲ ኤለትሮኒካዊ-ኣገልግሎትና እዩ። ብኤለትሮኒካዊ-ኣገልግሎት ከተመልክት ንኽትክእል ናይ ምዕባይ ሕላፍነት ዘለካን ኤለትሮኒካዊ-መንነት ክህልወካ ኣድላዪ እዩ። እንድሕር ነቲ ኤለትሮኒካዊ-ኣገልግሎት ክጥቀመሉ ዘይትኽእል ኾይንካ፡ ክትመልኦ እትኽል መመልከቲ ቅጥዒ/ፎርም ብቋንቋ ሽወደንን እንግሊዝኛን መሊእካ፡ ሓቲምካ ናብ ማእከል መራኸቢ/Kontaktcenter ብጶስጣ ክትልእኮ እትኽል ኣሎ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜጋ ነቲ መመልከቲ ንምምላእ ሓገዝ ክትወሃብ ትኽእል ኢኽ።